Laddar...

Tigrinska – Tigrinya – ትግርኛ

 

አብ መንጎ መቕርብ ብምፍርራሕን ዓመጽን ወይ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝተቓልዑ አወዳትን አሰብኡትን ብተሌፎንን
ብቻትን ዝወሃብ መስመር ደገፍ

ንሕና፡ ብቐሪብ ሰብካ ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ፋይናንሳዊ ዓመጽ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝተቓላዕኻ ደገፍ ንህብ ሃገራዊ መስመር ኢና። ጽን ኢልና ንሰምዓካ፡ ንድግፈካን ሓገዝ አበይ ከም ዝርከብ ንሕብረካን። ምሳና ምርኻብ ገንዘብ ዘይክፈሎ ነጻ እዩ። መንነትካ ምቕላዕ አየድልየካን እዩ። ዕድመ ብዘየገድስ፡ ኲሉ ተሌፎን ክድውልን ቻት ክገብርን ይኽእል እዩ።

ቋንቋና ሽወደንኛ ኮይኑ፡ አድላዪ ምስ ዝኸወን ድማ ናይ ተሌፎን አስተርጓሚ ነቕርብ።  አስተርጓሚ አብተሌፎን ክሳብ ዝጽምበረና፡ ሓንሳብ ትጸንሕ።

እቲ ዕላል ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ

ቊጽሪ ተሌፎን 020-80 80 80  ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት፡ 7-21 ክፉት እዩ።

ቻት stodlinjenforman.se

 

Stödlinjen för män መንግስቲ ብዝሃቦ ተልእኾ፡ ብሓልዮት NCK ይካየድ